SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።
00:00
00:00

Zusammenfassung der Episode

** ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ነቲ ወግዓዊ መጠን ወለድ ገንዘብ ናብ 4.85 ሚእታዊት ኣዕብይዎ ኣሎ - እዚ ካብ 2008 ጀሚሩ ዝለዓለ ዕብየት እዩ። ** ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። **ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ታሪኻዊ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣብ መፋርቕ ምርጫ ገለ ካብ መናብር ሰልፉ ክስእን ትጽቢት ከምዘለዎ ተኣሚኑ ። #sbsaudiopodcast

Folgen

6623-

ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። ሓጸርቲ ዜናታት SBS ትግርኛ (4 ሕዳር 2026)

** ሪዘርቭ ባንክ ኣውስትራሊያ ነቲ ወግዓዊ መጠን ወለድ ገንዘብ ናብ 4.85 ሚእታዊት ኣዕብይዎ ኣሎ - እዚ ካብ 2008 ጀሚሩ ዝለዓለ ዕብየት እዩ። ** ግብጽን ሱዳንን፡ ነቲ ኢትዮጵያ ኣብ ፈለግ ናይል እትወስዶ ዘላ "በይናዊ ስጕምቲ" ብትሪ ከም ዝነጽጋኦ ኣፍሊጠን። **ዶናልድ ትራምፕ ቅድሚ እቲ ታሪኻዊ ድምጺ ምሃብ ኣብ ዝሃቦ ሓጺር መግለጺ፡ ኣብ መፋርቕ ምርጫ ገለ ካብ መናብር ሰልፉ ክስእን ትጽቢት ከምዘለዎ ተኣሚኑ ። #sbsaudiopodcast

04 Nov. 2026
6622-

Be prepared for snake season in Australia - ምድላው ንወቕቲ ኣትማን ኣውስትራሊያ፥

Snakes are often seen in Australia in spring and summer. You may also see one at other times of year, depending on the weather. Here are some expert tips on snake behaviour and what to do if you see one. - ኣትማን መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ጽድያን ሓጋይን እዮም ዝረኣዩ። ኣብ ካልእ እዋን ዓመት እውን ከከም ኩነታት ኣየር ክትሪኢ ትኽእል ኢኻ። ገለ ናይ ክኢላታት ምኽርታት ብዛዕባ ባህርያት ፡ተመንን እንተርኢኹም እንታይ ክትገብሩ ከምዘለኩምን ኣብዚ ቀሪቡ ኣሎ።

04 Nov. 2026
6621-

ፈላማይ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ንፕረዚደንት ብወግዒ ወረቐቱ ኣቕሪቡ፡ (ጸብጻብ)፡ SBS ትግርኛ (03 ሕዳር 2026)

*** ሎሚ መጠን ወለድ ክውስኽ ምዃኑ ትጽቢት ኣብዝግበረሉ ዝቕባበ ንኽትሕት ስጉምቲ ክውሰድ ጻዊዒት ቀሪቡ። *** ኣብ ልዕሊ ሱፐርማርኬታት ኤውሮጳ ዝፍጸም ናይ ስልኳ ወይ ሃኪንግ መጥቃዕቲ ኣብ መላእ ኣውሮጳ ካብ ሽወደን ክሳብ ቤልጅየም ኣብ ፍሪጅን ፍሪዘርን ብምጥቃዕ ተስፋሕፊሑ። *** ፈላማይ ኣምባሳደር እስራኤል ኣብ ሶማሊላንድ ንፕረዚደንት ናይታ ካብ ዓባይ ሶማል ተገንጺላ ትርከብ ግዝኣት መረጋገጺ መንነቱ ኣቕሪቡ፡ #sbsaudiopodcast

03 Nov. 2026
6620-

ኣሜሪካውያን ኣብ መፋርቕ ምርጫ ንመን’ዮም ዝመርጹ ዘለዉ፧

ኣብ ዩናይትድ ስቴትስ፡ ኣብ ፍርቂ ናይ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ዘመነ ስልጣን ዝካየድ ምርጫን ውጽኢቱን ንምፍላጥ ህዝብታት ዓለም ብሃንቀውታ ይጽበይዎ ኣለዉ። እቲ ምርጫ ጽባሕ ሰሉስ፡ 3 ሕዳር ክካየድ እዩ። #sbsaudiopodcast

03 Nov. 2026
6619-

ኣሜሪካ ተድምጽ፣ ድሕሪ ትራምፕ እንታይ’ዩ ክመጽእ ዝብል ሪፓብሊካውያን ዝምልስዎ ዝዓበየ ሕቶ

ድሕሪ ትራምፕ ዓቃባዊ ፖለቲካ እንታይ ክኸውን’ዩ፧ እዞም ምርጫታት መፋርቕ ግዜ ስልጣን (midterms) ገለ ኣንፈት ክህቡና ይኽእሉ’ዮም። #sbsaudiopodcast

03 Nov. 2026